ኢትዮጵያ፣ ስደተኛታት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ከተስፍርን ሲቪላዊ ሰነዳት ክትህብን ጀሚራ

ኢትዮጵያ፣ ስደተኛታት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ከተስፍርን ሲቪላዊ ሰነዳት ክትህብን ጀሚራ

Radio Erena: 31 October 2017

refugees in ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ተዓቝቦም ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ከስፍሮምን ምስክር ወረቐት ልደት፣ መርዓን ሞትን ዝኣመሰለ ሲቪላዊ ሰነዳት ክህቦምን ከምዝጀመረ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ ዝጀመረ መስርሕ ምዝገባን ምዕዳል ሲቪላዊ ሰነዳትን በብግዜኡ ናብ ኩለን መዓስከራት ስደተኛታት ክበጽሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ 2016 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ስደተኛታት፣ ዑቕባ ሂበን ዝርከባ ሃገራት ንስደተኛታት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ከስፍራን ሲቪላዊ ሰነዳት ከዳልዋሎምን ዝብል ነጥቢ ከዝነበሮ ዝሓበረ UNHCR፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምኽኣሉ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ኒውዮርክ ዋዕላ፣ ዑቕባ ሂበን ዘለዋ ሃገራት፣ ስደተኛታት ኣብ ናይ ስራሕን ትምህርትን ዕድላት ክሳተፉ ክፈቕዳ ዝብል ነጥቢ’ውን ይርከቦ።

ኢትይጵያ፣ ንስደተኛታት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ከተስፍርን ምስክር ወረቐት ልደት፣ መርዓን ሞትን ክትህብን እኳ እንተጀመረት፣ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ስደተኛታት ክሰርሑ ግና ኣይፈቐደትን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝተመዝገቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብመሰረት እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምስክር ወረቐት ልደት፣ መርዓ ይኹን ሞት ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0