ጋዛ፣ ኲናት ዘስዓቦ ሞት ህጻናት ይብእስ

RADIO ERENA:- Wednesday, 06 March 2024

ዞባዊ ዳይረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዩኒሴፍ ኣደለ ኮድር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ዝፈራሕናዮ ሞት ህጻናት ኣብዚ ኣሎ” ብምባል ነቲ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ሞት ህጻናት ኣብ ጋዛ ገሊጻ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ኣብ ሰሜን ጋዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከማል ዓድዋን፣ብውሕዱ 10 ህጻናት ብሰንኪ ዋሕዲ ማይን ሕጽረት መግቢን ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኮድር ኣብ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ኣብቲ ከባቢ ዝተረፋ ሆስፒታላት ከምዚ ካብ ኮነ ምናልባት’ውን ኣብ ሰሜን ድማ ፈጺሞም ክንክን ክረኽቡሉ ኣብ ዘይክእልሉ ሆስፒታላት “ንህይወቶም ዝቃለሱ ህጻናት ክበዝሑ ተኽእሎ ኣሎ” ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ዩኒሴፍ እቲ ኲናት እንተዘይተዛዚሙን ሰብኣዊ ረድኤት ዝዕንቅፉ ነገራት ብቕጽበት እንተዘይተፈቲሑን ተወሰኽቲ ህጻናት ኣብ ኣፋፌት ሞት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ፣ ውሑስ ማይን ኣገልግሎት ሕክምናን ዘይምርካብ ኣዴታትን ንዕሸላተን ጡብ ናይ ምጥባው ዓቕመን ከምዝጸልዎ ብምትሕስሳብ ብሰንኪ`ዚ ብዙሓት ናጽላታት ኣብ ትሕቲ ክንክን ናይ ሕክምና ከምዝርከቡ ኣዘኻኺራ።

ዩኒሴፍን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጋዛ ምርመራ ሕጽረት መግቢ ኣካይዶም።

16 ሚእታዊት ካብቶም ክልተ ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት፣ ማለት ሓደ ካብ ሽዱሽተ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ማለት ዓጸቦ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0