ባይቶ ጸጥታ፣ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

Radio Erena: 20 March 2023

ባይቶ ጸጥታ፣ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብተውሳኺ ሓደ ዓመት ክዋናሕ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓሙሽተ ቀወምቲን 10 ድማ ተቐያየርትን ኣባላት ዘለውዎ ባይቶ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ ነቲ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ቀወምቲ ኣባላት ባይት ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ሩስያን ቻይናን፣ ንምንዋሕ ተልእኾ ናይቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም እኳ እንተተቓወማ፣ ናይ 13 ሃገራት ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ’ዩ ክሳብ 14 መጋቢት 2024 ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ተወሲኑ።

ካብ ጽባሕ ናጽነታ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣስታት 20 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊትን ልዕሊ 4 ሽሕ ሓይሊ ፖሊስን ኣብ ናይ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ዝተዋፈረ ዓቕሚ ሰብን ኣለዎ።

ኣብ ደቡብ ሲዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ካልእ ንጥፈታትን ዓመታዊ 1.2 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከምዘህልኽ’ዩ ዝንገረሉ።

ደቡብ ሱዳን ነዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት፣ ምስ ቀቢላ፣ ብልሽውናን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዝተተሓሓዘ ተደጋጋሚ ግጭታት ይካየደላ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 380 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ሚልዮናት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም።

ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ገዚፍ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ በብእዋኑ ንዝውላዕ ግጭታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ምግታእ ከምዘይተዓወተ’ዩ ዝንቀፍ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0