ዓሰብ፣ ዘይሕጋዊ መሸጣ ጫት እናሳዕረረ ምምጽኡ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 March 2023

ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ፣ ዘይሕጋዊ መሸጣ ጫት እናሳዕረረ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን፣ ካብ የመን ብሕቡእ ብውሑድ ዓቐን ዝኣተወ ጫት ይርአ ምንባሩ ዝሓበሩ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ግና ካብ ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ ይኣቱ ምህላዉ ኣመልኪቶም።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ግንባራት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተወ ጫት ከዘውትሩን ናብ ከተማ ዓሰብ ከከፋፍሉን ይርኣዩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብታ ከተማ፣ ብፖሊስ ዝተታሕዘ ልዕሊ 1300 ጥማር ጫት፣ ብ15 መጋቢት ከምዝተቓጸለ’ውን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 19 መጋቢት ሕታማ ኣስፊራ ኣላ።

እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ፣ ኣብ 2021 ምስ ጫት ዝተተሓሓዘ 28 ጉዳያት ክምዝገብ እንከሎ፣ ኣብ 2022 ግና ናብ 49 ከምዝዓረገ ንፖሊስ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምጥቃስ ኣተሓሳሲባ።

ጫት ካብ ኣደንዘዝቲ ዕጸታት ስለዝዀነ፡ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ክልኩል ምዃኑ ዘዘኻኸረ ፖሊስ እቲ ዞባ፣ ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ስለዘየድሕን፡ ዜጋታት ብሓፈሻ ጥንቁቓት ክዀኑ፡ ወለዲ ድማ ንደቆም ክከታተሉ
ተላብዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0