ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ክኽውን ከምዝተረቝሐ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 March 2023

ኣብ ትግራይ፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ዘተን ምርጫን፣ ኣፈኛ ህወሓት፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክኸውን ከምዝተረቑሐ መርበባት ዜና እቲ ክልል ሓቢረን።

ምርቛሕ ኣቶ ጌታቸው፣ ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ማእከላይ ባይቶ ህወሓት፣ ከም ኣውራ ሕጹያት ዝተረቕሑ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ምዃኖም ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምቛም ክምረሕ ተረቝሑ ንዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ እንተኣጽዲቝሉ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ንክልል ትግራይ ክመርሕ ካብ ዝጸንሐ፣ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ስልጣን ብምርካብ፣ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ መድረኽ ንምስግጋር ዘኽእል ዘተ ክጅምር ትጽቢት ከምዘሎ ይትንተን።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ዝንገር ዘሎ፣ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሕ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናይ ፈለማ ምዃኑ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0