ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፤ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፤ ብ50 ሚልዮን ዶላር፤ ጸሓያዊ መመንጨዊ ጸዓት፤ ክሃንጽ እዩ

Radio Erena: 09 April 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፤ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ዝውዕል፤ ንኤርትራ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቑ።

እቲ ባንክ ብ6 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፤ እቲ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ዝህነጽ፤ ጸሓያዊ መመንጨዊ ጸዓት፤ 30 ሜጋዋት ዘፍርይን መተካእታኡ ባትሪ ዝዕቅብን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዕላማ’ቲ ፕሮጀክት፤ ኣብ ኤርትራ ንዘጋጥም ዋሕዲ ኤለክትሪክ ዘቃልል፤ ነቲ ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ከኣ ዋጋ ዝቕንስ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ብተወሳኺ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣብ ዝጅምረሉ፤ ግዚያውን ናይ ነዊሕን፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር ምዃኑ፤ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፤ ዘይውሑስን ዘየተኣማምንን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብዋጋ እውን ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። እዚ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፤ ብባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ክህነጽ ተመዲቡ ዘሎ ጸሓያዊ መመንጨዊ ኤለክትሪክ፤ ብመጠኑ ነዚ ጸገማት’ዚ ዘቃልል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ዝርጋሐ መርበብ ኤለክትሪክ እውን ከስፍሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብተወሳኺ፤ ነቲ ድሮ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ጸሓያዊ መመንጨዊ ኤለክትሪክ፤ካብ 3% ናብ 23% ክብ ከብሎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፤ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከብ ህዝቢ ኣፍሪቃ፤ ን250 ሚልዮን ዝኸውን ብተተካኢ ጸዓት ሓይሊ ኤለክትሪክ ክጥቀም ካብ ዘውጸኦ መደብ እዩ ነዚ ናይ ደቀምሓረ ፕሮጀክት ዘካዪዶ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0