መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታትን ዞባዊ ምልሻታትን፤ ብፈደራላዊ ሰራዊት ክትክኡ ንዘሕለፎ ውሳኔ፤ ተቓውሞታት ይገጥሞ

Radio Erena: 09 April 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታትን ዞባዊ ምልሻታትን፤ ብፈደራላዊ ሰራዊት ክትክኡ ንዘሕለፎ ውሳኔ፤ ተቓውሞታት ይገጥሞ ከምዘሎ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ መንግስቲ ብዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፤ ኩሎም ዞባውያን መንግስታት ኣቚሞሞ ዘለዉ ዕጡቕ ሰራዊት፤ ሰለስተ ምርጫታት እዩ ሂቡዎም ዘሎ። እቶም ዕጡቓት ሓይልታት፤ ናብ ምዱብ ፈደራላዊ ሰራዊት ክጽምበሩ፤ ምስ ነናይ ክልሎም ሓይልታት ፖሊስ ክጽምበሩ፤ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ማእሰርቲ ክኾኑ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ሲቪላዊ ህይወቶም ክምለሱ ዝብል ኣማራጺታት እዩ ተዋሂቡዎም።

እንተኾነ፤ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፤ ዕጥቆም ክፈትሑ ቅሩባት ብዘይምዃኖም፤ ኣብ ከባቢታት ባህር ዳርን ጎንደርን፤ ምስ ሰራዊት ፈደራል ኣብ ግጭት ከይኣትዉ ተሰጊኡ ምህላዉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣቐድም ኣቢሉ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፤ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ እንተኾይኖም፤ ናይ ኩለን ክልላት ዕጡቓት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣብ ስምምዕ በጺሖም እዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ 1995 ብዘተኣታተወቶ ሕጊ መሰረት ኩሎም ዞባውያን መንግስታት፤ ነናቶም ሓይልታት ፖሊስ ብምቛም ጸጥታ ከባቢኦም ክሕልዉ ዝብል ፍቓድ ሂባ እያ። እቲ ሓይሊ ፖሊስ ፈኮስቲ ብረት ጥራይ ክዓጥቕ፤ ከበድቲ ኣጽዋር ግና ንፈደራል ሰራዊት ጥራይ ክሕጸር ዝብል እዩ ኔሩ።
እንተኾነ ምስቲ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዘስፋፈሐ ሓድሕዳዊ ግርጭት፤ እቶም ፍሉያት ሓይልታት ብኣጽዋርን ብዝሒ ምልሻን እንዳወሰኹ ብምኻዶም፤ዳርጋ ናብ ምሉእ ዕጡቕ ሰራዊት እዮም በጺሖም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ዝሓዙ ፍሉያት ሓይልታት ኣብ መላእ’ታ ሃገር ምህላዎም ይግለጽ።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፤ ሓይልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ዕጥቆም ክፈትሑ ኮነ ናብ ፈደራል ስሩዕ ሰራዊት ክጽምበሩ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብወገኑ፤ እቲ ‘ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ከይፍጠር’ ዝብል ስግኣት፤ ካብ ዋሕዲ ሓበሬታን ምድንጋራትን ዝተበገሰ ደኣ’ምበር፤ ሰራዊት ፈደራል ኣብ ኩለን ዞባታት ክዋፈር ድሉው ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግጭት ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፤ ሓድሕድ ምትእምማን ከይተፈጥረን፤ መንግስቲ ጸጥታን ውሕስነትን ህዝቢ ክሕልው ክሳብ ዘይከኣለን፤ ሰላም ክሰፍን ከቢድ ጻዕሪ ከምዝሓትት ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0