ሶማል ምስ ሩስያ ከይትውግን ዝዓለመ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ፊንላንድ ናብ ሞቛድሾ ተኻይዱ

Radio Erena: 10 April 2023

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ፔካ ሃቪስቶ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፊንላንድ፣ ናብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ብ07 ሚያዝያ ናብ ሞቛድሾ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብምርኻብ፣ ኣብ ኵናት ዩክሬንን መርገጺ ሶማልን ብዝምልከት ከምዝተመያየጠ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚኒስተር ሃቪስቶ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ዘካየዶ ርክብ፣ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከብቅዕ፣ ደገፍ ሶማል ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝገለጸሉ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ምስ ሩስያ ብገዚፍ ክፋል ዶብ እትዋሰን ፊንላንድ፣ ብዘይካ’ቲ ንዩክሬይን ዘለዋ ደግፈ ብወግዒ ክትገልጽ ምጽንሓ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባል’ቲ ኣንጻር ሩስያ ኪዳን ዝመስረተ ኔቶ ምዃና ይፍለጥ።

እዛ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም እትርከብ ኤውሮጳዊ ሃገር፣ ናብ ኔቶ ምጽንባራ ነቲ ምስ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ተፈጢሩ ዝርከብ ወጥሪ ብዝበኣሰ ከዕርጎ ከምዝኽእል ይትንተን።

ፊንላንድ ናብ ኔቶ ምጽንባራ፣ ኣመሪካ ዝመራሒቱ ደምበ ሃገራት ምዕራብ፣ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ናብ ሰፊሕ ክፋል ዶባት ሩስያ ክጽጋዕ ዘኽእል ብምዃኑ፣ ብፕረዚደንት ፑቲን ንዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ስግኣት ዝፈጥር’ዩ ክብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምድናኣ ንምሕያል ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ እትገብር ዘላ ሩስያ፣ ብፍላይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ተቛምት ምህላዋ ብሰፊሑ ዝግለጽ ዘሎ ኣርእስቱ’ዩ።

ሩስያ ኣብዚ ዕላማ’ዚ ዘድሃበ ምይይጥ ምስ መራሕቲ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብአን ሃገራት እቲ ዞባ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ፣ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ብምትኳር ምስ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምዝርራብ ተደጋጋሚ እዋን ናብዛ ኣህጉር ክመላለስ እንከሎ፣ ሰበ ስልጣን እዘን ሃገራት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ ናብ ሩስያ ክበጽሑ ጸኒሖም’ዮም።

ዑደት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻሩ ሩስያ ናብ ዝቖመ ኪዳን ዝተጸንበረት ፊንላንድ ናብታ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዘራኽብ ስትራቴጃዊ ክሊ ማይ እትርከብ ሶማል ከኣ፣ ጠለባት ሩስያ ከይማላእ ዝዓለመ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቃስ ምዃኑ ይእመት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0