መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተፈላለያ መንገድታት ኣየር ዘዋህለሎ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብህጹጽ ክኸፍል ተሓቲቱ

Radio Erena: Friday 23 June 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተፈላለያ መንገድታት ኣየር፣ በብእዋኑ ከዋህልሎ ዝጸንሐ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፣ ብህጹጽ ክኸፍል ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር (IATA ) ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣየር፣ ካብ ሽያጥ ትኬት ዝኣከብኦ ገንዘብ፣ ናብ ዶላር ቀይረን ከንቀሳቕስኦ ስለዘይክኣላ’የን እቲ ኣህጉራዊ መሕበር፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቐልጠፈ ክኸፍሎ ዘጠንቕቕ ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋህለለ 180 ሚልዮን ዶላር ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ሽያጥ ትኬት ዝተዋህለለ 2.5 ሚልዮን ዶላር ከንቀሳቕሶ ከምዘይክኣለ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመልኪቱ’ዩ።

ኣብ ናይጀርያ’ውን ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ተዓጊትዎ ከምዘሎ እቲ መንገዲ ኣየር ይጠቕስ።

ብደረጃ ዓለም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብድምር 2. 5 ቢልዮን ዶላር ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝተዓግተ ገንዘብ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር፣ እቲ 1.8 ቢልዮን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0