ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ንብርጌድ ንሓመዱ እስራኤል ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ

Radio Erena: Friday 29 September 2023

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ: ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ተቓለስቲ ብርጌድ ንሓምዱ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም::

ገለ ካብቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ስዊዘርላንድ: ኣብ ኣፍደገታት ኤምባሲ ከተማታት ብራስለስ – ቤልጅዩም: ስቶኮልም – ስዊደን: ኮፐንሃገን – ዴንማርክ: በርሊን – ጀርመን ይርከብዎም::

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ጀኔቫ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈሻታት “መንግስቲ እስራኤል መሰል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ክሕሉ: ምሉእ መሰል ዑቕባ ክህቦምን ጸዊዖም:: ናይቶም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም ውልቀመላኺ ስድግፉ ድማ ጉዳይ ዑቕባኦም ዳግመ ግምት ክግበረሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም::

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ዘሎ ስርዓት መሰልና ኣይሓለዎን: ኣብ ርእሴና በደል ፈጺሙ: ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑናን ካልእን ዝብሉ ምኽንያታት ዝሃቡ’ኳ እንተኾኑ ሓያሎ ካብዚኦም ግን ብግዝያዊ መንበሪ ቪዛ ዝቕመጡ ክንሶም ነቲ በዲሉና ዝብልዎ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍ ይርከቡ::

በዚ ምኽንያት እዮም ሰልፈኛታት ደገፍቲ ክንሶም ሓቲትካ ዑቕባ ኩነታት ሃገሮም ጽቡቕ እንተሎን ንውልቀመላኺ ዝድግፉ እንተኾይኖምን ንምንታይ ኣብ እስራኤል ይነብሩ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ: እዚ በለጽን ንትርጉም ሕቶ ዑቕባ ዘናሹን እዩ ክብሉ ገሊጾም::

ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ብብርጌድ ንሓመዱ ተጀሚሩ ዘሎ ‘ሰማያዊ ሰውራ’ ክሳብ ኣስመራ ከይበጽሐ ቃልሶም ከምዘየቋርጹ መብጽዓ ኣትዮም::

ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ብርጌድ ንሓመዱን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ግጭት ከምዝተኻየደ ይፍለጥ። ድሒሩ’ውን ሓደ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ብካራ ተወጊኡ ሂወቱ ከምዝሰኣነ ተሓቢሩ።:

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ያታንያሁ ንቲ ግጭት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ‘ኣብ ሃገሮም ዘሎ መንግስቲ ዝድግፉ ስደተኛታት ንምንታይ ንሃገሮም ዘይድግፉ ኣብ ሃገር እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ ኔሩ::

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0