ሱዳን: ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብስዕረት ሰራዊቱ ይቑጣዕ

Radio Erena: Tuesday, 26 December 2023

ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ብብርጋደር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ብዝምርሑ ዕጡቓት ተወርዋሪ ሓይሊ ድሕሪ ምትሓዛ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ይቑጣዕ::

ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ተወርዋሪ ሓይሊ 136 ኪሎሜተር ካብ ካርቱም ንደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣካይዶም: ሰራዊት ሱዳን ድማ ነታ ከተማ ራሕሪሖማ ብምኻዶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕቱቓት ኣትያ::

ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ናይ ሕርሻ ማእከልን ምስ ደቡባዊ ክፋል ሱዳን እተራኽብ ስትራተጂካዊት ከተማን ብምኳና ንሰራዊት ሱዳን ዓቢ ክሳራ እያ ኮይና ዘላ::

ነዚ ኣመልኪቱ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስትን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ዝተኸስረት ብሰንኪ ሸለልትነት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝኾነ ገሊጹ::

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ስርሖም ሸለልትነት ዘርኣዩን ዝዘንብዑን ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሓተትቲ ምኳኖምን ግቡእ መቕጻዕቲ ክወሃቦም ምኳኑን ብቑጥዐ ገሊጹ::

74 ሚእታዊት ከተማ ካርቱምን ዝበዝሓ ምዕራባዊ ክፋል ተቖጻጺሮም ዘለዉን ሰራዊት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ኲናት ሱዳን ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ኣለዉ::

ከተማ ‘ፓርት ሱዳን’ ከም ግዝያዊት ዋና ከተማ ዝጥቀመላ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝመርሖ ሰራዊት ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ጥራይ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከምዘለዎ ይግለጽ ኣሎ::

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0