ደቐምሓረ፡ 30 ሜጋ ዋት ዘመንጩ ናይ ጸሓይ ጸዓት ብኩባንያ ቻይና ክህነጽ’ዩ

RADIO ERENA – Thursday, 07 March 2024

ኩባንያ ቻይና፣ ኣብ ከባቢ ደቐምሓረ 30 ሜጋ ዋት ዘመንጩ ናይ ጸሓይ ጸዓት ንምትካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስምምዕ ከቲሙ።

እቲ ሻንግዚ ህንጻ ሓይሊ ኤልክትሪክን ጸዓትን ዝተባህለ ናይ ቻንያ ኩባንያ፣ ኣብ ምህናጽ ናይ ጸሓይ ጸዓትን ምኽዛኑ ዘተኮረ ፕሮጀክት ኣብ ኤርትራ ንምስልሳል፣ ብ28 ለካትት ነቲ ውዕል ከምዝኸተሞ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነይ ኣብ ጸዓት ዘተኮረ ግዙፍ ውፍሪ ካብ ዝውንኑ ናይ ወሻኢ ትካላት ናይ መጀመርያ ምዃኑዩ ጠቒሱ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 30 ሜጋዋት ናይ ጸሓይ ጸዓት ክምውሉ ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖምዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትውን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመወሎ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ከባቢ ዓረዛ ከምዝተተኽለ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0