ሶማል ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግስትን ምልሻታትን ብዝተወልዐ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Monday, 26 June 2023

ኣብ ሶማል ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዞባውያን ዕጡቓትን ኣብ ከተማ ባርወ ብዝተወልዐ ግጭት ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ሞይቶም።

ሚንስተር ምክልኻል ሶማል ዓብዲካድር ሙሓመድ ኑር፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ጸጥታ ዞባታትን ዝግበር ተኹሲ ናብ ሲቪላውያን ጉድኣት ከየብጽሐ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

ሰራዊቱ ኣተኩሩኡ ናብ ካልኣይ መድረኽ ስርሒታት ኣንጻር ኣልሸባብ ክገብር ዘዘኻኸረ እቲ ሚንስተር፡ብገንዘብ ዜጋታት ዝተዓደገ፡ንመጥፍኢ ዜጋታት ክጥቀምሉ ከም ዘይብሎም ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ብቐዳም 24 ሰነ ዝተወልዐ ግጭት፡ወተሃደራት ሰራዊት ምክልኻል ሶማል ዝርከብዎም 10 ሰባት ከም ዝተቐትሉ እዩ ዝሕበር።

ወተሃደራት ሶማልን ሓይልታት ጸጥታ ዞባ ደቡብ ምዕራብን ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ሓቢሮም ዕዉት ስርሒታት ከም ዘካየዶ ይንገር።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ካብታ ሃገር ንዝወጽእ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተኪኡ ጸጥታ ሶማል ከውሕስ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰራዊት ሶማልን ዞባውያን መሓውራት ጸጥታን፡ኣብ መንጉኦም ዝፍጠር ግጭታት ነቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዘካይድዎ ዘለዎ ዕዉት ወፍርታት ብኣሉታ ከይጸሉ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0