ሓይልታት ዋግነር ናብ ሞስኮ ዝጀመርዎ ገስጋስ ደው ኣቢሎም

Radio Erena: Monday, 26 June 2023

ከሻኒ ጸብሒ ፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ብዝነበረ የቭጊኒ ፕሪጎዥኒ ዝምርሑ ሓይልታት ዋግነር፡ናብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ጉዕዞ ደው ከም ዘበልዎ ተገሊጹ።

ፕሪጎዥኒ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ድሕርቲ ብፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዝተገብረ ሽምግልና ምዃኑ ተሓቢሩ።

መራሒ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ፕሪጎዥኒ፡ ሰራዊቱ ናብ ቤላሩስ ኣትዩ ክዕቆብን፡ኣብ ልዕሊኡን ሰራዊቱን ዝቐረበ ክስታት ክስረዝን ብዝተኣትወሉ መብጽዓ መሰረት እዩ፡ነቲ ናብ ከተማ ሞስኮ ዝጀመሮ ወፍሪ ደው ብምባል ተመሊሱ።

ሩስያ ኣንጻር ዩክሬይን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኲናት፡መሪሕ ተራ ክጻወት ዝጸንሐ ብ ዋግነር ዝፍለጥ ዕሱብ ጉጅለ ዝመርሕ ብዓል ጸጋ ፕሪጎዥኒ፡ምስ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሩስያ ክቃዶ ከም ዘይጸንሐ እዩ ዝግለጽ።

ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሩስያ ንሰራዊቱ ከም መዝሓሊ ጥይት ክጥቀምሎም ምጽንሖም ዝገልጽ ፕሪጎዥኒ፡ወተሃደራውቱ ብሕጽረት ኣጽዋር ክሽገሩ ምጽንሖም ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሩስያ ብቕሉዕ ክዝልፍን ከፈራርህን ዝኸረመ እቲ መራሒ ዕሱብ ጉጅለ፡ንወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሩስያ ብሓይሊ ክኣልዮም እየ ብምባል፡ብቐዳም 24 ሰነ ሰራዊቱ ናብ ሩስያ ኣውፊሩ ንኸተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ምቁጽጻሩን፡ኣንፈቱ ናብ ከተማ ሞስኮ ብምቕናዕ ካብታ ከተማ 500 ኪሜ ርሕቀት ምብጽሑን ይግለጽ።

ነዚ ስዒቡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይልታት ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ብምፍጻም ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶም ክቆጻጸር እንከሎ፡ከተማ ሞስኮ ብወተሃደራት ተኸቢባ፡ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ከም ዝወዓለት ይንገር።

ፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ብቐዳም ንግሆ ነቲ ተግባር ክሕደት ክብል ድሕሪ ምግላጹን፡ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ከቢድ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ድሕሪ ምጥንቃቑን፡ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ብዝወሰዶ ተበግሶ፡ሓይልታት ዋግነር ናብ ቤላሩስ ክኣትዉ ምጅማሮም ዝግለጽ ዘሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0