ሱዳን፡ ፈጣን ሓይልታት ረድኤት ክሳራታት ከም ዝወረዶም ተገሊጹ

Radio Erena: Monday, 26 June 2023

ኣብ ሱዳን ብቐዳም 24 ሰነ ዳግም ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት፡ ሓይልታት ፈጣን ረድኤት ክሳራታት ከም ዝወረዶም ተገሊጹ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብ ከተማ ካርቱም ብዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብቐዳም ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈጣን ረድኤትን ሰራዊት ሱዳንን ከቢድ ምልውዋጥ ተኹሲ ከም ዝወዓለን፡ነፈርቲ ኲናት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ከም ዝደብደባን ተሓቢሩ።

ወተሃደራውያን ምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ሓይልታት ፈጣን ረድኤት ኣብ ደቡባዊ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ እቲ ሰራዊት ከም ዘፍሸሎ ሓቢሮም።

ሓይልታት ፈጣን ረድኤት ዛጊት ነዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መንጎ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን ዝምርሑ ሓይልታት ፈጣን ረድኤትን ጀነራል መሓመድ ኣልቡርሃን ዝመርሖ ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ሚያዝያ ዝተወልዐ ግጭት ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበለ ሰባውን ንዋታውን ክሳራታት የውርድ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ይኹን እምበር ብኣህጉራውያን ኣሸማገልቲ ዝተወስደ ፈተነታትን ዝተበጽሐ ስምምዓት ምቁራጽ ተኹስን ብተደጋጋሚ ግዜ ይጠሓስ ምህላዉ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0