ሶማል፣ 3ን 4ን ኣብ ዝዕድሚኤን ክልተ ህጻናት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ

Radio Erena: 07 April 2020

ኣብ ሶማል፣ ግዳያይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና፣ 3 ዓመት ከምኡ ድማ 4 ዓመት ዝዕድሚኤን ክልተ ህጻናት፣ ብዝወረደን ከቢድ ማህሰይቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝበን ከምዘለዋ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እተን ኣዝማድ ምዃነን ዝተሓበራ ቆልዑ፣ ኣፍጎየ ኣብ ዝብሃ ከተማ፣ ብ30 መጋቢት ምስ ወለደን ኣብ ናይ መርዓ ጽምብል ድሕሪ ምኻደን፣ ብጉጅለ መንእሰያት ተጨውየን ድሕሪ ምዕማጸን ቦዳ ቦድካ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ኣብ ዝርከብ ጎግልጎል ተደርብየን ከምዝተረኽባ ‘ዩ ዘመልክት እቲ ሓበሬታ።

እተን ህጻናት ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከባ ዝሓበረ ዳይረክተር ናይቲ ተዓቝበናሉ ዘለዋ መዲና ሆስፒተል፣ ዶ/ር መሓመድ ዮሱፍ፣ ብዝግበረለን ዘሎ ጻዕሪ ክድሕና ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እቲ ፍጻሜ፣ ኣብ ኣፎጎየን መላእ ሶማልን ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ዛጊት 18 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

ኣብ ሶማል፣ ንጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዓሚጾም ናብ ሞት ዘብጽሑ ሰለስተ ሰባት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሞተ ከምዝተቐጽዑ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0