ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣዋጅ ውሸባ ዝጠሓሱ መርዑትን ዕዱማትን ቃል ኪዳን ምስ ዘእሰሮም ፓስተርን ተኣሲሮም

Radio Erena: 07 April 2020

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ናታል፣ ክዋዙሉ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብሰንበት 5 ሚያዝያ ቃልሲኪዳን ዝኣስሩ ዝነበሩ መርዓውቲ፣ ንኣዋጅ ውሸባ ብምጥሓሶም ተኣሲሮም።

ነቲ ቃልሲ ኪዳን ዘእስር ዝነበረ ፓስተርን ኣስታት 40 ዕዱማትን’ውን ብተመሳሳሊ፣ ሪቻርስድ በይ ናብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ’ዮም ተወሲዶም።

ብለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ 11 ሞትን ልዕሊ 1700 ድማ መልከፍትን መዝጊባ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከም መብዛሕትአን ሃገራት፣ ናይ ውሸባ ኣዋጅ ድሕሪ ምትሕልላፋ፣ ነቲ ኣዋጅ ዝጠሓሰ ብሕጊ ክሕተት ምዃኑ’ያ ኣጠንቂቓ።

ነዚ ኣዋጅ እዚ ዕሽሽ ብምባል፣ ጉዳይ መርዕኦም ዝገበሩ መጻምድቲን ቃልኪዳን ዘእሰረ ፓስተርን ዕዱማትን፣ ብሰኑይ ናብ ፍርዲ እኳ እንተቐረቡ ዝተዋህቦም ብይን ኣይተፈልጠን።

እንተወሓደ ግና ክልተ ቅነ ክፋል ሕጽነቶም ኣብ መደበር ፖሊስ ወይ መደበር ጥዕና ኣብ ግዱድ ውሸባ ከሕልፍዎ ተኽእሎ ከምዘሎ ማሕበራዊ ሜድያታት እታ ሃገር ይእንፍት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0