ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ዕንቅፋት ደሞክራሲን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን

Radio Erena: 06 April 2020

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕንቅፋት ደሞክራሲን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ይኸውን ምህላዉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ 182 ሃገራት ተራእዩ ዘሎ ለባዳ ኮረና ቫይረስ፣ ምስኡ ተተሓሒዙ ውሸባ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ፣ ምንቅስቓስን ምትእኽካብን ምድራት ዝኣመሰለ ስጉምታት’ዩ ተወሲዱ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫታት ክስረዝን ካልእ ደሚክራሲያዊ መሰላት ህዝቢ ድማ ክጥሓስ ከምዝኽእልን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ድሮ ተቐላቒሉ ይርከብ።

ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ናይ ቀዳማይ እግሪ ጀሚሩ ዝነበረ ምርጫ ከንቲባታት ከተማ ዝሰረዘት ሃገር ፈረንሳ’ያ።

እንተኾነ፣ እቲ ውሳኔ ደገፍ ባይቶን ህዝቢን ፈረንሳን ስለዝረኸበን፣ ፈረንሳ’ውን ሓንቲ ካብተን ብደሞክራሲ ኣብ ቅድሚት ዝርከባ ሃገራት ምስ ምዃናን እቲ ምርጫ እዚ ዓመት ከይተዛዘመ ክካየድ ምዃኑ ርጉጽ’ዩ።

ድሕሪ ፈረንሳ ምርጫ ዝሰረዘት ሃገር ኢትዮጵያ ኮይና ኣላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወርሒ ግንቦት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናቕረበ ናብ ወርሒ ነሓሰ ኣሰጋጊርዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ ድማ ብኮረና ቫይረስ ኣሳቢቡ፣ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ከምዘናውሖ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ክልል ሶማል ናይታ ሃገር ብዝተፈጥረ ምትፍናንን ወጥርን፣ ንሓላፊ ጸጥታ እቲ ክልል ካብ መዝነቱ ዝኣለየ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ሶማል፣ እቲ ጉዳይ ናብ ዘተ ክወርድ ንዝቐረበ ጠለብ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበረ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ከምዘይክኣለ ክምዝተነግሮ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ 22 ሃገራት ምርጫታት ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ ናይተን ዝተረፋ ሃገራት’ውን ምክያዱ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኡጋንዳ፣ ኣብ 2021 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኩሉ ምርጫታት ኣቐዲሙ ክስረዝ ዝብል እማመታት ይስማዕ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እዚ ድማ ነቲ ን36 ዓመታት ንኡጋንዳ ዝመርሐ ፕረዚደንት ሙሴቬኒን ገጢምዎ ዝጸንሐ ናይ ዕድመን ቅዋምን ብድሆታትን ኣልዩ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥረሉ ተኽእሎ ኣለዎ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ብምልኪ ሓደ ሰብ ንዝመሓደራ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን፣ ህዝቢ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሖ ጸቕጢ ተወሳኺ ማሕዩር ኮይኑዎ ምህላዉ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

እዚ ለበዳ፣ ንህዝብታት ዓለም ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ እኳ እንተሎ፣ ከም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዝኣመሰሉ ስልጣኖም ንልዕሊ 30 ዓመታት ንምዕቃብ ዝጋደሉ ዘለዉ መለኽቲ ግና፣ ዘይተሓስበ ምርቓ ኮይንዎም ኣሎ።

ኣብዚ ብምኽንያት ለበዳ ኮረና፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ተደሪቱ፣ ኣኼባታት ተሰሪዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እብ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታት ምእሳር፣ ምግፋዕን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ብምእዋጅ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ምውዓልን ይርአ ከምዘሎ’ዩ ዝምልከት።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን፣ ህዝቢ ብጅምላ ዝኣሰረት ሃገራት ስዑዲ ዓረብ ክትከውን እንከላ፣ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣስታት 300 ሰበ ስልጣን ነበርን ኣባላተ ንጉሳውያን ቤተሰብን ምእሳራ ይዝከር።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት’ውን ምስዚ ለበዳ ተተሓሒዙ፣ እሱራት ብስድራቤታቶምን መቕርቦም ከይብጽሑ፣ እሱራት ተፈላልዮም ኣብ ሸላን ብውልቂን ክእሰሩ ዝኣመሰለ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጽብጸብ ፍጽሜታት ይምዝገብ ምህላዉ በብእዋኑ ዝቃልሑ ዘለዉ ዜናታት የረድኡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0