ሶማል፣ ኣብ 2026 ዝካየድ ምርጫ፣ ብቀጥታ ብህዝቢ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ገሊጹ

Radio Erena: 27 March 2023

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ግንቦት 2026 ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፣ ህዝቢ ብቀጥታ ከምዝሳተፍ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምግላጹ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወከልቲ ዞባታትን መራሕቲ ቀቢላታትን ዝመርጽዎም ኣባላት ፓርላማ፣ ሕርያ መራሒ ሃገር ከምዘካይዱ ዘመልከተ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ንመጻእ ግና ህዝቢ፣ ነንዝድግፈን ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ ብቀጥታ ብዝህቦ ድምጺ፣ ፕረዚደንት ንምምራጽ ክኽእል’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ሶማል ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 50 ዓመታት፣ ህዝቢ ብቀጥታ ዝሳተፎ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥ’ያ።

ወከልቲ ዞባታትን መራሕቲ ቀቢላታትን ብዝመርጽዎም ኣባላት ባይቶ ኣቢሉ፣ ብዘይቀጥታዊ መስርሕ ዝካየድ ምርጫ ጠንቒ ብዙሕ ምስሕሓብ ይኸውን ኣሎ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ነዚ ንምውጋድ ቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምርጫ ንምትእትታው ይስርሓሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ንሱ፣ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መድረኽ ሰልፍታት፣ ፖለቲካዊ ሓሳብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ክኸውን’ዩ ክብል’ውን ተዛሪቡ።

ኣብ ሶማል ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ምርጫ፣ ብናይ ቀቢላታት ፖለቲካ ዝተዓብለለ ኮይኑ፣ እቲ ቅልስ መናብር ኣፈኛ ባይቶ፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ንምሓዝ’ዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ፕረዚደንት ሶማል ዝነበረ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ ደጊሙ ንኻልኣይ እዋን ከምዝተዓወተ ይፍለጥ።

ኣልሸባብ ምድምሳስን፣ ኣብ ሶማል ሓድሽ ፖለቲካዊ መድርኽ ምፍጣርን ነዚ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፣ ሰሪዕዎ ካብ ዘሎ ቀዳሞት ዒላማታት’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0