ሰራዊት ሱዳን፣ በቲ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝእዘዝ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 27 March 2023

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ብዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝእዘዝ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝኣቱ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ነዚ ዝገለጸ፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ‘ሐምቲ’ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚን ካልኦት ኣሃዱታትን፣ ብምጥርናፍ፣ ሃገራዊ ሰራዊት ንምቛም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ’ዩ።

ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘተ ዘካይዱ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር፣ ብቀዳምነት ካብ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጠለባት ሓደ፣ እቲ ብጀነራል ሐምቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚን ካልኦት ኣሃዱታትን ብሓደ ተጠርኒፎም፣ ብስም ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ክእዘዙ’ዩ።

ብሲቪላዊ ወገን ዝምራሕ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክቐውም ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣስታት 10 ሽሕ ብዝሒ ሰራዊት ዘለዎ፣ ሓውሲ ሚሊሻ ዝኾነ ተወርዋሪ እዚን ካልኦት ኣሃዱታትን፣ ብሓደ ብምጥርናፍ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምእታዎም ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ናይቲ ዘተ ምዃኑ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0