ሶማል፣ ኣስታት 43 ሽሕ ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 March 2023

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፣ ኣስታት 43 ሽሕ ሰባት ብደርቂን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሳዕቤናትን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ብሰኑይ 20 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ልዕሊ ፍርቂ ግዳያት ናይቶም ብሰንኪ ደርቂ ዝሞቱ ሶማላውያን ቆልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብተኸታታሊ ደርቂ ተጠቒቓ እትርከብ ሶማል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ተስፋ ዝህብ ኩነታት ስለዘየለ፣ ክሳብ መፋርቕ እዚ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ተወሰኽቲ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ‘ናብ ደረጃ ዓጸቦ’ ከምዘይተሰጋገረ ዝገልጽ እቲ ውድብ፣ ኣስታት 6 ሚልዮን ሰባት ጸልዩ ዘሎ ኩነታት፣ ‘ዝበኣሰ ደርቂ’ ክብል’ዩ ዝጠቕሶ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ እቲ ኣብ ኦብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት እቲ ዝበዝኣሰ’ዩ።

ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ብሰንኪ ደርቂ፣ ኣሽሓት ከብቲ፣ ጤሌ በጊዕን መጽዓኛን ከምዝሞቱን ሚልዮናት ሰባት ድማ መግብን ማይን ንምርካብ ካብ ዓድታቶም ይፈናቐሉን ምህላዉ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ መንግስታት እዘን ሃገራት፣ ነቲ ብሓፈሻ ንልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ጸልዩ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ ዕቱብ ቆላሕታ ይገብርሉ ከምዘየለዩ ይንቀፉ።

ብዝሒ ናይቶም ብደርቂን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሳዕቤናትን ዝሞት ዜጋታተን’ውን ዛጊት ብወግዒ ኣይሓበራን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0