ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኡጋንዳ’ውን ንዝስልጥኑ ዘለዉ ወትሃደራት ሃገሩ በጺሑ

Radio Erena: 20 March 2023

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ኡጋንዳ ንዝስልጥኑ ዘለዉ ወትሃደራት ሃገሩ ከምዝበጽሐ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ብምርኻብ’ውን ዘትዩ።

ንሱ፣ ኣብቲ ምስ ኡጋንዳዊ መዘንኡ ዘካየዶ ርክብ፣ እታ ሃገር ጸጥታ ሶማል ንምርግጋእ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተሓቝፉ ዝዋፈር ሰራዊት ካብ ምብርካት ሓሊፋ፣ ሶማላውያን ወትሃደራት ተሰልጥን ምህላዋ ኣመስጊኑ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ’ዩ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሑ።

ኡጋንዳ፣ ልዕሊ 2 ሽሕን 900 ወትሃደራት ሶማል’ያ ተሰልጥን ዘላ።

ኤርትራ’ውን ብዘይካ’ቲ ኣቐዲማ ዘሰልጠነቶም ኣስታት 5 ሽሕ ሶማላውያን፣ ሓደሽቲ ተዓላሞ ተቐቢላ ምህላዋ ይግለጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሶማል፣ ናብ ግብጺን ኢትዮጵያን፣ ኣስታት 6 ሽሕ ተዓለምቲ ክትልእኽ ምዃና’ያ ትሕብር።

ሶማል ክሳብ መወዳእት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብጠቕላላ ኣስታት 15 ሽሕ ሓደስቲ ወትሃደራት ንምስልጣን መዲባ ከምዘላ ‘ዩ ዝጥቐስ።

ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ መወዳእታ 2024 ካብ ሶማል ክወጽእ ተታሒዙ ብዘሎ መደብ መሰረት፣ መንግስቲ ሶማል ነቲ ሰራዊት ንምትካእ ኣስታት 24 ሽሕ ወትሃደራት ከሰልጥን ወጢኑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0