ኤርትራ፡ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመተ 2023፡ 105 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ባጀት ንወትሃደራዊ ንጥፈታት ኣውዒላ

Radio Erena: Tuesday, 05 December 2023

ኤርትራ፡ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመተ 2023፡ ኣስታት 105 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ባጀት ንወትህደራዊት ንጥፈታት ከምዘውዓለት መርበብ ዜና ስታቲስታ ሓቢሩ።

እቲ ንዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ምንጭታትን ብምውካስን ሓበሬታ ብምእካብን፡ ሃገራት ኣብ ምክልኻል ንዘውዓለኦ ባጀት ብዝርዝር ዘቕረበ መርበብ፡ ንወትሃደራዊ መዓላ ብዘፍሰስኦ ብዝሒ ገንዘብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንኣልጀርያ ኣብ ቅድሚት ሰሪዑዋ።

ኣልጀርያ ኣብ ዓመተ 2023፡ ንምክልኻል ዘውዓለቶ ባጀት ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር’ዩ።

ካልኣይ ተሰሪዓ ዘላ ግብጺ፡ ኣብዛ ዓመት ዝተመዝገበ ወትህደራዊ ባጀታ 4.4 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ አብ ሰሜን ምስ ትግራይ ዘካየደቶ ኲናት፡ ኣብ ከቢድ ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቅልውላው ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ ግና፤ ናይዚ ዓመት ባጀታ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ምንባሩዩ ተጠቒሱ።

ዕዳኣ ክስርዘላን ትንፋስ መውሃቢ ድማ ህጹጽ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክብርከተላን እትሓትት ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንወትሃደራዊ መዓላ ብዘውጽኣቶ ብዝሒ ገንዘብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መበል 13 ደረጃ ኣትሒዙዋ ኣሎ።

ካብ ሳልሳይ ክሳብ ታሽዓይ ተሰሪዐን ካብ ዘለዋ ሃገራት ድማ፦ ሊብያ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ቱኒዝያን ኣንጎላን ይርከብአን።

ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ብዝሒ ህዝብን ዘለዋ ኤርትራ ድማ ምስዘን ዓበይቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተወዳዲራ፡ ኲናት ኣብ ዘይነበሮ ዓመተ 2023፡ ወትሃደራዊ ወጻኢታታት ልዕሊ 100 ሚልዮን ሓሊፉ፡ ኣብ መበል 23 ደረጃ’ያ ተሰሪዓ።

ኣብ ኤርትራ፡ ስሩዕን ብባይቶ ዝጸድቕን ባጀት ስለዘየለ፡ መንግስቲ ንወትሃደራዊ ይኹን ካልእ ጉዳያት ዘውጽኦ ብዝሒ ገንዘብ፡ ዘይፍሉጥን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉን ምዃኑ ይውቀስ’ዩ።

ስእሊ፡ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0