ሶማሊላንድ ምስ ሶማል ክትጽምበር ኣብ ዝጠልብ ናዕብታት 9 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 12 February 2023

ኣብ ሶማሊላንድ ብዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ተቓውሞ ናዕብታት ብዝተፈጥረ ግጭት፤ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፤ ካልኦት 14 ከኣ ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን፤ ሓያሎ መራሕቲ ቀቢላታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፤ ሶማሊላንድ ናብ ፈደራላዊት ሶማል ክትምለስ ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ መንጎ ነቲ ሓሳብ ዝድግፉን ሓይልታት ጸጥታን ዝተወለዐ ግጭት ሻዱሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቶም መራሕቲ ቀቢላታትን ማሕበራትን፤ ንሶማሊላንድ ዘመሓድር ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ዝመስረተ ሓይሊ፤ ጸጥታ ህዝቢ ክሕልው ኣይከኣለን ዝብል ክሲ የቕርቡ።

ላስ ኣኖድ ናይ ዝተባህለት ከተማ ኣመሓዳሪ ዓብዲራሒም ዓሊ እስማዒል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ሓይልታት ሶማሊላንድ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ሞርታራት ይድርብዩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብኣንጻሩ፤ ሰራዊት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ምክልኻል ትእዛዝ ስለ ዝርከብ፤ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ደኣ’ምበር፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ዒላማታት ከምዘየጥቀዐ ገሊጹ።

ሶማሊላንድ ካብ ፈደራላዊት ሶማል ተነጺላ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ ካብ እተቕውም ንደሓር፤ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑዋ እዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0