ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ መዘራረቢ ኮይኑ

Radio Erena: 11 February 2023

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ብሓሙስ 9 ለካቲት፣ ኣብ መዛዘሚ ናይ ኬንያ መገሽኡ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ ሜድያን ኣዘራራቢ ኮይኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ብዝሒ ኣብቲ ኵናት ዝሞቱ ሰራዊቱ፣ ከምኡ ድማ ንዕድመ ስልጣኑን ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶታት፡ ቀጥታዊ ዘይኮነ ምላሽ ኣብ ርእሲ ዘይምሃቡ፣ ካብ ዝተመስርሐ ሓሶት ዝወጽእ ሓበሬታን ክብል’ዩ ክደጋግም ተሰሚዑ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተፋለየ ርእይቶታት ብምሃብ ክገልጾ እንከለዋ፣ ኤርትራውያን ብወገነኦም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብቀልድን ላግጽን ክዋዘይሉ ተርእዮም።

ከም ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ሮይተርስን ዝኣመሰላ ማዕከናት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ዓምድታተን ኣብ ዘስፈረኦ ርእይቶታት፣ ንኤርትራ ን32 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ካብ ናጻ ሜድያ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ወትሩ ከምዝሃድም ኣስሚረናሉ።

ኣብታ ብመንግስቲ እተንውን መደበር ቴሌቪዥን ኤሪ ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን፣ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት ካብ ሕቶታት ህዝቢ ወጻኢ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራውያን ጉዳያት ምህውታት ዝለመደ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ናይሮቢ ብሰለስተ ሕቶታት ተመዚኑ ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ዝሃቦ መልሲ ዘሕፍርን ንምስሊ ኤርትራ ዝድውንን’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ድሕሪ 12 ዓመታት ንፋልማይ ግዚኡ’ዩ ብኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምለስ ተራእዩ።

እዚ ድማ ምስቲ ናብ ኬንያ ዘካየዶ ዑደትን ድሕሪ ርክብ ክልት መራሕቲ ኣብ ዝህሉ፣ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ምሃብ ልሙድ ተርእዮን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ናጻ ማዕከን ዜና ከይህሉ ዝኣገደን፣ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ነበር ኣሲሩ ንልዕሊ 20 ዓመታት ሃለዋቶ ዘጥፍአን እቲ ፐረዝደንት፣ ብቤት ጽሕፈቱ ወይ ድማ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ዜና፣ ብዝተዳለወ ሕቶታት፣ ብጋዜጠኛታት መንግስቲ ተሓቲቱ፣ ብመልክዕ ድራማ ንነዊሕ ሰዓታት ክምልስን ከምዝርአ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ስራሕ ብቀረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ ወገናት የረጋግጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0