ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ (ፖርት ሱዳን) ወተሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት እያ

Radio Erena: 12 February 2023

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፤ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዘኽእላ ስምምዕ ኣርቂቑ መጽናዕቱ ከምዝወደአ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ወደብ ፖርት ሱዳን ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪያ ሩስያ፤ ብውሑዱ 300 ወተሃደራት ክህልዉዎ እንከለዉ ክሳብ ሚሳይላት ዘጠቓለለ ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝዓጥቕ ክኸውን እዩ።

ብዛዕባ’ዚ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትሃንጾ እትውጥን ዘላ ናቫል በይዝ፤ ዝርርብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2021 ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ፤ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል እዩ።

ኣምሳያ ናይዚ ሩስያ ብክራይ እትሃንጾ ዘላ መዓስከር ባሕርያ፤ ንሰራዊት ሱዳን ናይ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሓገዝ ክትገብር ምዃና ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ሱዳን ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሓቢሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ሱዳን ድሕሪ ምብጽሑ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፤ እቲ ስምምዕ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ምርካቡ፤ ወግዓዊ ፌርማ ክንበረሉ ግና፤ ስልጣን መንግስቲ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሳብ ዝሰጋገር ክጸንሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0