ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ነዳዲ እተመላልስ ናይ ቻይና ምዃና ዝተገልጸ መርከብ ከምዘጥቅዐ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Tuesday, 26 March 2024

ሑቲ፣ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብዝወንጨፎ ባላስቲክ ሚሳይላት፣ ኣብቲ ክሊ ማይ እትጓዓዝ ንዝነበረት፣ ነዳዲ እተመላልስ ናይ ቻይና መርከብ ከምዘጥቅዐ፣ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ እዚ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓንቲ ካብተን ናብታ ሁዋንግ ፑዝተሰምየት መርከብ ዝተተኮሳ ሚሳይላት ባርዕ ከምዝፈጠረትን እታ መርከብ ናይ ርድኡና ጻውዒት ከምዝገበረትን ጠቒሱ።

እንተኾነ ሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ ነቲ ባርዕ ክቆጻጸርዎ ከምዝኽኣሉን ዝወረደ ዕንወት ውን ከምዘይነበረንዩ ተሓቢሩ።

ሑቲ፣ መሻርኽቲ እስራኤል ንዝኾና ሃገራት እብተዘይኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቻይና መጥቃዕቲ ከምዘየካይድ ክግለጽ ዩ ጸኒሑ።

እታ ሚሳይላት ዝተወንጨፈላ መርከብውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ናይ ካልእ ሃገር ተሽይጣ ክትከውን ከምዝኽእል ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃቦ ኣሎ።

ሑቲ ይኹን ቻይና፣ ብዛዕባታ ብ23 መጋቢት መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተገልጸ መርከብ ዝሃብዎ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ሑቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ሃገራት ምዕራብ፣ ብሚሳይላትን ድሮናትን ካብ ምጥቃዕ ከምዘይድረት ዩ ዘጠንቅቕ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት እኳ እንተካየዳ፣ እቲ ብ የመን ላዕለዋይ ሚዛን ዘለዎ ሑቲ ግና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ካብ ምፍጣር ኣየዕረፍን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0