ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 400 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 400 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ

Radio Erena: 24 May 2018

ethiopians in saudi prisonኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 400 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ምውህሃድ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ወርሒ ግንቦት ቡለቲን፣ ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ኣብ ዝነበራ መዓልታት ጥራይ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናይ ወጻኣኢ ዜጋታት ከምዝኣሰረት ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጹ።

ካብዞም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናይ ወጻኢ ዜጋታት እቶም 39% ኢትዮጵያን ምዃኖም ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ18 ግንቦት፣ ኣብ ሪያድ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ 1,450 ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ኣረጋጊጹ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብወገኑ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ 160 ሽሕ ኢትዮጵያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ሓቢሩ።

ኣብ ምምላስ እዞም ኢትዮጵያውን ክተሓባበር ከምዝጸንሐ ዝገለጸ እቲ ማሕበር፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንዝርከብዎም ልዕሊ 5 ሽሕ ጽጉማት ኣብ ዓዶም ዳግም ንምጥያስ ይሕግዞም ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0