ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንዝተዋፈሩ ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ሊብያውያንን እገዳ ንምሕላፍ ይሕልን

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንዝተዋፈሩ ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ሊብያውያንን እገዳ ንምሕላፍ ይሕልን

Radio Erena: 23 May 2018

Smuggler

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ክልተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሽዱሽተ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ እገዳ ንምሕላፍ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣገልግልት ዜና ፈረንሳ ትማሊ ኣብ ዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ናይቲ ኣገልግሎት ዜና ሓበሬታ፣ እቶም ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ክግበረሎም ኣስማቶም ሰፊሩ ዘሎ ክልተ ኤርትራውያን ኤርምያስ ግርማይን ፍትዊ ዓብደልርዛቕን ክኾኑ እንከለዉ ምስ ሊብያውያን ዕጡቓት ሚሊሻ ብምትሕብባር ዝሰርሑ ምዃኖም’ዩ ጠቒስዎም ዘሎ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ሓደ ካብ ወደብቲ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት’ዩ ንዝበሎ ኤርምያስ ግርማይ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣሽሓት ስደተኛታት ከምዘሰጋገረ የመልክት።

ብዘይካ’ዞም ክልተ ኤርትራውያን፣ መራሒ ዕጡቕ ሚሊሻ ኣሕመድ ዑመር ኣል ደባሺ፣ ኣብ ሳብራታ ዝርከብ ሙሳብ ኣቡ ቓሪን፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ዛውያ ዝንቀስቐስ ሺሃዳ ኣል ናስር ዝተባለ ብርጌድ ሚሊሻ መሓመድ ካሽላፍን ኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዛውያ ዓብዱራሕማን ኣል ሚላድን’ዮም።

ባይቶ ጸጥታ፣ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሊብያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ካብ ዝነጥፉ ኢሉ ብቀዳምነት ደኣ የስፍሮም ‘ምበር፣ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሊብያን ከምኡ ድማ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝንቀሳቐሱ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ባይቶ፣ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካያዶ ኣኼባ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ሚልዮናት ዶላራት ዝእክቡ ዘለዉ ኤርትራውያንን ሊብያውያንን እገዳ ንምሕላፍ ሓሳብ እኳ እንተቕረበ፣ ሩስያ፣ እኹል መጽናዕቲ ክካየድን ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃባን ብምጥላብ ኣይገደፈቶን።

እቲ ጸብጻብን መጽናዕትን ብመንግስቲ ኔረላንድስ ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ብመንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ድጋፍ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝቀረበ ሓሳብ፣ ናብ ውሳኔ እንተተሰጋጊሩ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ሰባት ናይ መገሻ እገዳ ክትግበርን ዘለዎም ዘበለ ንብረት ክድስክል ናብ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ትእዛዝ ክመሓላለፍ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0