እስራኤል፣ ስደተኛታት ዝወሃቦም ዘሎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፣ ካብ ባንክታት ገንዘቦም ንኸውጽኡ የሰናኽል

እስራኤል፣ ስደተኛታት ዝወሃቦም ዘሎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፣ ካብ ባንክታት ገንዘቦም ንኸውጽኡ የሰናኽል

Radio Erena: 24 May 2018

eri atmመንግስቲ እስራኤል፣ ንስደተኛታት ዝቕይረሎም ዘሎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛ ካብ ባንክታት ገንዘቦም ንኸውጽኡ ዘሰናኽል ምዃኑ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ኣቑዲሙ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ግዝያዊ መንብሪ ፍቓድ ኣብ ክንዲ ዘሐድስ ሓድሽ ቁጽሪ ዘለዎ ቪዛታት ብምዕዳሉ፣ ኣብ ባንክታት ጸገም ፈጢርሎም ከምዘሎ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ተጠባቕቲ ትካላት ጥርዓናት ከምዘቕረቡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍናዎም ዝወሃቦም ዘሎ ግዝያዊ ቪዛ፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቁጽሪ መንነቶም ዘይቃዶ ስለዝኾነ፣ ብብዝሒ ግዳያት እዚ ናይ ባንክታት ጸገም ኮይኖም ምህላዎም The Hotline for Refugees and Migrantsዝተባህለ ተጣባቒ ትካል ኣመልኪቱ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልክቱ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዳግማይ ዝርርብ ይካይድ ከምዘሎ ዝገለጸ መንግስቲ እስራኤል፣ ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ናይ ምስጓግ መስርሕ ደው ከምዘሎ’ዩ ዝጠቅስ።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዘተኣታታዎ ሓድሽ ሕግታት ንመነባብሮ ስደተኛታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0