ስዑዲ ዓረብ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣናትን ወረስቲ ዓራትን ተኣሲሮም

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣናትን ወረስቲ ዓራትን ተኣሲሮም

Radio Erena: 06 November 2017

Saudi Arabia

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ ብውሕዱ 11 ስበ ስልጣናትን ወረስቲ ዓራትን ከምዝኣሰረት ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓረብ ገሊጸን።

ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ 11 ሰባት፣ ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ምዃኑ ዝንገረል፣ኡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ቢልዮናት ወፍሪ ዘለዎን ወራስ ዓራት ኣል ዋሊድ ምዃኑ ኣል ዓረብያ ሓቢራ።

ምእሳር እዞም ሰበ ስልጣናትን ወረስቲ ዓራትን ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተለዎ፣ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ንጉሱ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚ ንወዲ 32 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ክኸውን ድሕሪ ምሻሙ፣ እቲ መንእሰይ ወራስ ዓራት፣ ንዝበዝሐ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታውን ወትሃደራውያን ጽላታት እታ ሃገር የካይድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ተንተንቲ፣ እዞም 11 ሰበ ስልጣን’ውን ብትእዛዙ ተኣሲሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእምቱ።

እዞም ተኣስሮም ዘለዉ ሰበ ስልጣናትን ወረስቲ ዓራትን፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆቴላት እታ ሃገር ዝኾነ The Ritz Carlton hotel ተቐይዶም ከምዘለዉ’ዩ ዝንገር።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0