ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶም

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶም

Radio Erena: 05 November 2017

we are one.ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል ኢስላምያ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶም።

ብመሰረት’ቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻና ዘሎ ሓበሬታ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራውያን፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣትዩ ዘስዕቦ ዘሎ በደል ንምኹናን፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ብተመሃሮ ድያእ ኣልኢስላምያ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ሕቶ መሰል ምዃኑ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ይገልጹ

ኣቐዲሙ ከምዝተሓበረ ኣብቲ ብሰሉስ 31 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ ኤርትራ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖ ወገን እኳ እንተዘየለ፣ ኣብቲ ዕለትን ንጽባሒቱን ሓያሎ መማህራን፣ መንእሰያትን ወለድን ዝርከብዎም ሰባት ተኣሲሮም’ዮም።

እቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ጽዑቕ ተኹሲ ብምኽፋት እኳ እንተበተኖ፣ እቲ ተቓውሞ ገና ኣብ ህዝቢ ተደጒሉ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዞም ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብወገኖም በብእዋኑ ኣብ ዘካየዱዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ወጽዓ ሓደ ሃይማኖት፣ ወጽዓ ኩላትና’ዩ’፣ ‘መንግስቲ ንሃይማኖት ከም መፈላለዪ ክጥቀመሉ ኣይነፍቅድን’፣ ‘ኣብ ቀይዲ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖታት ይፈትሑ’፣ ‘ኣኽርያ ሽምዓ ደሞክራሲ ወሊዓ’ ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ከምዘልዓሉ ልኡኻት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት እውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ ኣብ ምድላው ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ብዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝተኻየደ ብሓያሎ ወገናት ከም ታሪኻዊ ፍጻሜ ዝገልጹዎ ዘለዉ፣ ከይድገምን ኣብ ካልኦት ዞባታት ከይልሕምን ከቢድ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ኣዋፊሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0