ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ነዳዲን ፊኖን መግትኢ ክግበረሉ ምዃኑ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ገሊጹ

ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ነዳዲን ፊኖን መግትኢ ክግበረሉ ምዃኑ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ገሊጹ

Radio Erena: 06 November 2017

Sud Eri border

ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ነዳዲ ፊኖን መግትኢ ክግበረሉ ምዃኑ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም ገሊጹ።

እቲ ኣመሓዳሪ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ነበርቲ ናይቲ ኣብ ዶብ ሱድንን ኤርትራ ዝርከብ፣ ኻራይት ዝተባህለት ከባቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምዃኑ ብመንግስቲ እትውነን ኣገልግልት ዜና ሱዳን ሓቢራ።

እቲ ካብ ዞባ ከሰላ ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ነዳዲን ፊኖን ንቁጠባ እቲ ዞባ ይሃስዮ ከምዘሎ’ውን ኣደም ጃማ ኣደም ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ከሰለ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ነበርቲ እቲ ዞባ ብመነባብሮን ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲን ተደጋጋሚ እዋን ተቓውሞታት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ፣ ንዘይሕጋውን ነጋዶ ክንሃድኖም ድሕሪ ምባሉ፣ ምስ ኤርትራ ዝህሉ ዝምድና ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ኣብ ዶብ ዝካየድ ዘሎ ንግድ ሕጋዊ ዝኾነሉ መንገዲ ክናደ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ነዳዲ፣ ዘይቲ፣ ፊኖን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ካብ ከሰላ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ከምዝኣቱ ይፍለጥ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0