ስዑዲ ዓረብን ጅቡትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንምትሕግጋዝ ዘኽእል ውዕል ከቲመን

ስዑዲ ዓረብን ጅቡትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንምትሕግጋዝ ዘኽእል ውዕል ከቲመን

Radio Erena: 26 December 2017

SAudi Djibouti

ስዑዲ ዓረብን ጅቡትን መጓዓዝያ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ጸዓት፣ ቴክኖሊጂን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ጽላታት ንምትሕግጋዝ ዘኽእል ውዕል ከምዝኸተማ ማዕከን ዜና ዓረብ ኒውስ ኣፍሊጡ።

እዘን ሃገራት ነዚ ዝኸተማ፣ ብ22 ታሕሳስ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻያደ ሓባራዊ ምርኢት ቁጠባዊ ንጥፈታት’ዩ።

ኣብ ምርኢት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ነጋዶን ኣውፈርትን ክልቲኤን ሃገራት ተረኾቦም።

ካብ ክልትኤን ሃገራት ዝተዋጽአ ኮሚተ ብምቛም ንትግባረ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክከታተሉ ዝብል እማመ’ውም ኣጽዲቖም።

ጅቡቲ ኣምሳያ ናይቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ብምብታኽ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ምሓዛ፣ ካብ ሪያድ ወትሃደራውይን ቁጠባውን ደገፍ ይብርከተላ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ትሰርሕ ከምዘሎ ይሕበር።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0