ብምክትል ፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ

ብምክትል ፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 25 December 2017

Hassan Bakri Saleh

ኤርትራን ሱዳንን ብጉዳይ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮባንዳን ምስግጋር ባጤራን ብዝምልከት ኣብ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ እዋን፣ ምክትል ፕረዚደንት ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ብ20 ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ ሚኒተር መጓዓዝያን ሚኒስተር ዴታ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዝሓቖፈላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሓለፍቲ ፖለቲካውን ቁጠባውይን ጉዳያት ህግደፍን ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንገዲ ከሰላ-ተሰነይ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ባጤራን ኣብ ክልትኤን ሃገራት ፈጢርዎ ዘሎ ቅልውላው ድሕሪ ምዝርራብ፣ እቲ ብዶብ ዝፍመ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሕጋዊ ጥራይ ዝኾነሉ ኣገባብ ከምዝተመያየጠ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ጠቒሶም።

ካብን ናብን ሱዳንን ኤርትራን ዝንቀሳቐሳ ናይ ጽዕነት መካይን ንምቁጽጻር፣ ኣብ ዶብ ክልቴን ሃገራት ዝቐውም ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክህሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ከምዝተዘራረቡ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣማሓዳሪ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም ኣቐዲሙ፣ እቲ ካብ ከሰላ ናብ ኤርትር ዝከካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ከም ፊኖ፣ ዘይቲ፣ ነዳዲ ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ንቀጠባን መነባብሮን እቲ ዞባ ሃስይዎ ከምዘሎ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነዚ ንምግታእን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ንምህዳን ተበግሶ ክወስድ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ክሃድን ድሕሪ ምጅማሩ፣ ናብ ሱዳን ክብገሳ ዝተዳለዋ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ከባቢ ግርማይካ ተዓጊተን ደው ክብላ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈ ካብ ወገን ኤርትራ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ሓያሎ ካብዞም ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላን ሸርፊን ተዋፊሮም ዘለዉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዱባይን ከምምዝርከቡ ክወቐስ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ ተኸዚኑ ዝርከብ ባጤራ ናቕፋ ንዝቕባበን መጠን ናህሪ ናይ ወጻኢ ሸርን ኤርትራ ከምዝሃሰዮ የማርር።

እዞም ክልተ መንግስታት በዚ ጉዳይ ብዝምልከት፣ ተደጋጋሚ እዋን ምስጢራዊ ርክባት እኳ እንተካየዱ፣ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ቁጠባኣ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ንምምካት ሓድሽ ዘመተ ካብ እተካይድ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ብምክትል ፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክትሰድድ ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0