ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ’ዩ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 26 December 2017

Egyptian FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ግብጺ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትልእኽ ዘላ፣ ጉዳይ ስምምዕ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዲጋን ብዝበኣሰ ተሓላሊኽሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ወከልቲ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ግብጺ ነቲ ዝቐረበ እማመን ገምጋም ክትነጽጎ እንከላ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተመሳሳሊ መርገጺ’የን ሒዘን።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ነቲ ናብ ግብጺ ዝፈስስ መጠን ወሓዚ ናይል ብኣስታት 75 ሚእታዊ ከጉድሎ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክሳብ ዝካየድ እቲ መስርሕ ምህናጽ ዲጋ ደው ክብል’ዩ መንግስቲ ግብጺ ዝጠልብ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ንእቲ ንልምዓታ ወሳኒ ዝኾነ ዲጋ ንተጠቀምቲ ናይል ዝኾና ሃገራት ብፍላይ ሱዳንን ግብጽን ብዘይሃሲ መልክዕ ትሃንጾ ከምዘላ’ያ ተመልክት።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ማዕረ ግብጺ ካብ ናይል ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለወን ብምጥቃስ፣ እቲ ቅድሚ 100 ዓመት ኣቢሉ ዝተኸተመ ውዕል ዳግመ ግምት ክግበረሉ ይማጎታ።

እዚ ናይ ናይል ጉዳይ ንኢትዮጵያን ግብጽን ብፍላይ ናብ ምትፍናን ኣምሪሑወን ይርከብ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ብዛዕባ’ዚ ናብ ዝበኣሰ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ ጉዳይ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልትኣዊ ምይይጥ ንምክያድ’ዩ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክልእኾ ምዃኑ ዘፍልጥ ዘሎ።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0