‘ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይተፈጸመን’ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

Radio Erena: Thursday, 15 February 2024

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ዛጊት ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ፣ ፕረዚደንት ግይዝዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ትግራይን ኣብ ዘካየድዎ፣ ኣብ ገምጋም ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተኮረ ኣኼባ ተሳቲፉ፣ ናብ መቐለ ድሕሪ ምምላሱ፣ ብሰኑይ 12 ለካቲት፣ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዘይተተግበረዩ ወቒሱ።

ህወሓት፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይተዋቦን ዝተፈናቐሉ ድማ ነናብ ቦቦትኦም ኣይምልሱን ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፣ እዞም ነጥብታት ካብቶም ቀንዲ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ዝግብኦም ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ገምጋም ኣኼባ ብዝርዝር ከምዘቕረብዎም ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ እዚኣቶም ኣብ ግብሪ ስለዘይውዓሉ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይተፈጸመንክብልዩ ደምዲሙ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፣ ሰራዊት ትግራይ ምሉእ ብምልኡ ዕጡቑ ፈቲሑ ከምዘይበታተዩ ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ 270 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ከምዘሎ ዝጠቐሰ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል፣ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ሰራዊት ዕጡቑ ፈቲሑ ነናብ ገዝኡ ንኽብተን እኹል ባጀት ምምዳብ ከምዘድሊውን ኣገንዚቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን፣ ሳላ ቲ ውዕል ድማ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ኢንተርነት፣ ባንክን ከም ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርቲን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ስርሑ ብግቡእ ከምዝጀመረንዩ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ተሸሚማቶ ካብ ዘላ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ንምድሓን፣ ፊናንስያዊ ሓገዝ መሻርኽቲ ኣብ ምሕታት ይርከብ።

ከም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኣመሰላ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ መንግስቲ ፊናንስያዊ ሓገዝ ንምግባር፣ ውዕል ፕሪቶርያ ይትግበር ምህላዉ ምርግጋጽ ዝብል ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጠንኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0