ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ መራኽብ መንገዲ ክቕይራ ይግደዳ

Radio Erena: Thursday, 15 February 2024

ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ናይ ንግዲን ናይ መጓዓዝያን መራኽብ፣ መንገደን ክቕይራ ይግደዳ ምህላወን ኣፍሊጠን።

ኣቐዲሙ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪን ኣገልግሎታት ናይ ካርጎ ጽዕነትን ዓለምና ዝኾነ፣ ኣብ ደንማርክ ዝመደበሩ ትካል ማረስክ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት፣ ካብን ንብን ጂቡቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምዝገባ ንግዜኡ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡዩ።

ኣብዚ ሳልስቲዚ ድማ፣ ኣብ መጓዓዝያ በጻሕቲ ዘግልግላ ዓበይቲ መራኽብ ወይ ክሩዝ ዝውንን ትካል ካርኒቫል ኮርፖረሽን፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ጉዕዞ ሰሪዝዎ ኣሎ።

እቲ ትካል ዝውንነ 12 መራኽብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሰርዖ መንገዲ፣ ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይርኦ ምዃነን ሓቢሩ።

ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ፣ ካብቲ ናይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ሓደ ሰሙን ክሳብ ክልተ ሰሙን ተወሳኺ መዓልታት ከምዘለዎዩ ዝግለጽ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ መጥቃዕታት ሑቱ ንምግታእ፣ ንዝተጸንዐ ልዕሊ 30 ዒላማታት እኳ እንተደብደባ፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ግና ውሑስ ክኸውን ኣይከኣለን።

ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ናብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ዘካየዶ ዝወንጮ ሚሳይል፣ ዕላምኡ ከለሊ ከምዘይክኣለ ዝገለጻ ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ እዚ ድማ ውጽኢተ ናይቲ ዘካየዳሉ ደብዳብ ምዃኑዩን ዘመልክታ።

ሑቲ ዝወንጨፎ ሚሳይል፣ ናይ ኢራን ዝቐንዐ ስርናይ ዝዓጸነት መርከብ ዒላማ ከምዝገበራዩ ዘ ጋርድያን ጠቒሱ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ፣ እስራኢል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከየበለት፣ ንሱውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደው ከምዘየብልዩ ዝገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0