ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም ይምለሱ

Radio Erena: Thursday, 15 February 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ተገፊፎም ኣብ ዝተፈላለየ መደባራት ፖሊስ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ብዘይድልየቶም ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ክልተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ፣ ልዕሊ 90 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣለዉ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ካልኦትውን፣ ክስዕቡ ምዃኖም ይግለጽ ምህላዉ ኣተንቢሆም።

ካብዞም ብዘይድልየቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ስደተኛታት መንበፍሪ ፍቓድ ዝነበሮምን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ተበታቲኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉን ይርከብዎም።

ገሊኦምውን ብፓስፖርት፣ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዎም፣ ክጸንሕሉ ዝግባእ ግዜ ሓሊፉ ክነሱ፣ ኣብታ ከተማ ክቕመጡ ዝጸንሑዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ጉዳዮም ከጻርዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፣ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዕድል ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ምግፋፍን ምእሳርን፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ብምንባሩ፣ ካብ ጉዳይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንላዕሊ ካልእ መልእኽቲን ዕላማን ከምዘለዎዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝጠቕሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ህቡባት ስነጥበባውያን፣ ነጋዶን ተራ ስደተኛታትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ገፊፎም ከምዝኣስርዎም ክግለጽ ጸኒሑዩ።

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን፣ ምስዚ ግፋን ማእሰርቲን ተተሓሒዙ ካብ ኤርትራውያን ግቦን ብላዕን ክቕበሉ ምጽንሖም ይውቐሱ።

ስእሊ፦ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0