ሱዳን ምስ ኣመሪካ ዘተ ንምክያድ ዝነበራ መደባት ሰሪዛ

ሱዳን ምስ ኣመሪካ ዘተ ንምክያድ ዝነበራ መደባት ሰሪዛ

Radio Erena: 14 July 2017

sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ ምልዓል እገዳ ብዝምልከት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ከካይዶ ዝወጠነ ናይ ዘተ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍለጠ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ዝልዓለሉ እዋን ንዘይተፈልጠ ግዜ ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልበሽር ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ተወሳኺ ግዜን መጽናዕትን ከምዘድሊ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ንዘይተወሰነ እዋን ከይተላዕለ ክጸንሕ ወሲኑ።

 ፕረዚደንት ኣልበሽር ብወገኑ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኣመሪካን ንዝካየድ ዘተ ክትመርሕ ዝተመዘዘት ኮሚተ ክሳብ 12 ጥቅምቲ ስርሓ ደው ከተብልን ምስ ኣመሪካ ክካየድ ዝተወጠነ ናይ ዘተ መደባት ከኣ ክድስክልን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣመሪካ ካብ 1997 ኣትሒዛ ን20ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን እገዳ ኣንቢራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ እገዳ ኣብዚ ዓመት እዚ ክልዓል ብወገን ሱዳን ትጽቢት ጸኒሑ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0