ሱዳን፣ ኣብ መዓስከራት  ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገልግሎታት ከማልኣሎም’የ ትብል

ሱዳን፣ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገልግሎታት ከማልኣሎም’የ ትብል

Radio Erena: 13 July 2017

Shagarab

ሱዳን፣ ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነቶም ንምሕላው ኮነ ዘድሊ ኣገልግሎታት ከተማልእ ምዃና ንምክልትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሱዳን በክሪ ሓሰን ሳልሕ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር- ሱና ሓቢሩ።

ንሱ፣ ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሓሚድ ማናን ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይቶም ኣብ መዓከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ምምይያጥ’ዩ ነዚ መግለዚ ዝሃበ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነቶም ክሕለወሎም ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣይረኽቡን’ዮም ዘለዉ ዝብል ጥርዓናት እናበዝሐ ይመጽእ ስለዘሎ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ውሕስነትን ኣገልግሎታትን ናይቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ክሕሉ’የ ዝብል ዘሎ፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ክረኽቦ ብዛዕባ ዝኽእል ተወሳኺ ሓገዝ ዘተኮረ ደኣ’ምብር ኣብ ልዕሊ’ቶም ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ውሕስነት ኣብ መዓስከራት ዝጸንሑ ስደተኛታት ክግደስ ስለዝጀመረ ከምዘይኮነ ሓያሎ ወገናት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተዓቝቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ግዳያት ጭውያ፣ ዓመጽ፣ ቅትለትን ካልእ ገበናትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ከም ሸሮኽ፣ ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ዝኣመሰለ ሕማማት ብብዝሒ ኣብ ዝርኣየሉ እዋናት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሕክምና ከምዘይረኽቡ’ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ኣብ ዝርከብ፣ ኡም ጉርጉርን ኮርኮራን ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕማም ሸሮኽ ብውሕዱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ከምዝሞቱን ሓያሎ ከኣ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑን ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለው’ዩ ዝንገረሉ።

እቶም ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኦም ኣብ መዓስከራት ይነብሩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0