የመን፣ ብሸሮኽ ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 300 ሽሕ በጺሑ

የመን፣ ብሸሮኽ ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 300 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 14 July 2017

yemen

ኣብ የመን፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክላባዕ ዝጸንሐ ሕማም ሸሮኽ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 313 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ከምዘሎን ብሰንኪ እቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ከኣ 1700 ከምዝበጽሐን ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ የመን ሕማም ሸሮኽ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተራእየሉ ናብ 22 ዞባታት እታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ይርከብ።

ብፍላይ ህጻናትን ኣዴታትን እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ውጽኣት ኮይኖም ይርከቡ።

 

ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣተኩሮኡ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ኣድሂቡ ስለዝርከብ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው የመን ተረሲዑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ልዕሊ የመን ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ብምክያድ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ርእሲ ምፍጣረን፣ ናብታ ሃገር ህጹጽ ረዲኤትን ሕክምናን ንኸይኣቱ’ውን ንክሊ ኣየርን ማይን እታ ሃገር ዓጽየንኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መዓስከራትን ተታሒዞም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ግዳያት ናይዚ ኣብ የመን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ይኾኑ ምህላዎም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0