ኣመሪካ፣ ኣብ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዝዋፈሩ 800 ወትሃደራት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኢኻ

Radio Erena: 21 April 2023

ኣመሪካ፣ ከም ኣካል ናይቲ ቶምሃውክ ዝተሰምየ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዝዋፈሩ ኣስታት 800 ወትሃደራት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

ኦክልሃማ ካብ ዝርከብ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ኣብ 15 ሚያዝያ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ዝሓበረ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ሓሙሽተ ወትሃደራዊ ማእከላት፣ ጸጥታዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ክዋፈሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሓሙሽተ ማእከላት ኣበየኖት ሃገራት ከምዝርከብ እቲ ሓበሬታ ኣይጠቐሰን።

እቶም ወትሃደራት፣ ካብ ኦኮልሃማ ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርትን ስድራቤታቶም ብወግዒ ኣፋንዮሞም።

እታ መብዛሕቶም ኣጋር ሰራዊት ዝሓቖፈት ኣሃዱ ኣመሪካ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከምዝጸንሕ’ዩ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ልዕሊ 4500 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

በብእዋኑ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምስ ዝኽሰት ጸጥታውን ወትሃደራውን ኩነታት ብዝተሓሓዝ ከኣ፣ ንፍሉይ ተልእኾ፣ ኣሃዱታት ሓይልታት ባሕሪ፣ ኣየርን ምድሪን ተዋፍር’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እታ ሃገር፣ ኣብ ሶማል፣ ኣብ ስለያ፣ ታዕሊምን ፍሉይ ስርሒታትን ዝተዋፈረ ኣስታት 800 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣለዋ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0