ሑቲ ፣ ኣብ ጋዛ ተኹሲ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ

Radio Erena: Wednesday, 21 February 2024

ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኢክስ ማለት ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ጋዛ ህጹጽ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።

ኣፈኛ ሑቲ፡ መሓመድ ዓብደል ሰላም ኣብቲ ብሰሉስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ጎነጻዊ ስርሒታት ክሳብ ዘይሃለወ ንኣህጉራዊ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋ የለን፡ በዚ ኸኣ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ቦታ ምቕያሩ ኣየድልን’ዩ” ክብል ገሊጹ።

“ዓለም ብህጹጽ ትጽበዮ ዘላ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጋዛ ተኹሲ ብህጹጽ ደው ክብል ምእዋጅዩ”ኢሉ።

ዋላ’ኳ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት ሑቲ መጥቃዕቲ እንተፈጸሙ፡ ምስ ኢራን ዝተሰለፉ ሑቲ ምስ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ምግባር ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለው።

ኣብ ልዕሊ ምስ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን ንግዳዊ ርክብ ዘለወን መራኽብ መጥቃዕትታቱ ከም ዝቕጽል ዝገለጸ ሑቲ፣ ትማሊ ሰኑይ ብብሪጣንያ ዝተመዝገበት ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ሃሪሙ ከምዘጥሓለ ገሊጹ ኔሩ።

ብሰሉስ ግን ትካል ጸጥታ ባሕሪ ኣምብሬንን ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያን፣ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኣዩ ገሊጾም ኔሮም።

ኣብ ልዕሊ መርከብ ሩቢማር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣብ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመላለሳ መራኽብ ብሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ሩቢማር ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ተሃሪማ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝገደፉዋ ይፍለጥ።

ሩቢማር ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ቡልጋርያ ትጓዓዝ ምንባራ ተገሊጹ።

በዓል መዚ ወደብ ጅቡቲ ከም ዝሓበሮ፡ 24 ኣባላት መርከብ ሩቢማር – 11 ሶርያውያን፡ ሽዱሽተ ግብጻውያን፡ 4 ፊሊፒናውያንን ሰለስተ ህንዳውያንን – ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምሕጋዞም፡ ብውሑስ መንገዲ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ሓቢሩ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እታ ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ማይ ይኣትዋ ከምዘሎን፡ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱን ገሊጹ።

172 ሜትሮ ዝንውሓታ ሩቢማር፣ምዝጉብ ዋናኣ ጎልደን ኣድቨንቸር ሺፒንግ ኮይኑ፡ ኣድራሻኣ ድማ ኣብ ወደብ ሳውዝሃምፕተን ብሪጣንያ እዩ።

ሑቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሮም ዓሰርተታት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ንግዳውያን መራኽብ ወንጪፎም።

ኣፈኛ ሑቲ ብተወሳኺ ሓይልታቱ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ልዕሊ ክልተ ብኣሜሪካ ዝውነና ናይ ጽዕነት መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥቓ ወደብ ሑዳይዳ ዝርከብ ምክልኻል ኣየር ሑቲ፡ ንሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ኤምኪዩ-9 ሪፐር (UAV) ከምዘውደቓ ገሊጹ።

ካብ ኣሜሪካ ዝተዋህበ መግለጺ ግና የለን።

መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ብዙሓት ኩባንያታት መራኽብ ነቲ ኣስታት 12% ካብ ዓለማዊ ብባሕሪ ዝካየድ ንግዲ ዝሕዝ ወሳኒ መስመር ማይ ምጥቃም ደው ከብላ ደሪኽወን ኣሎ።

ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ናይ ንግዲን ናይ መጓዓዝያን መራኽብ፣ መንገደን ክቕይራ ይግደዳ ምህላወን ኣፍሊጠን።

ኣቐዲሙ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪን ኣገልግሎታት ናይ ካርጎ ጽዕነትን ዓለምና ዝኾነ፣ ኣብ ደንማርክ ዝመደበሩ ትካል ማረስክ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት፣ ካብን ንብን ጂቡቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምዝገባ ንግዜኡ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ‘ዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ‘ዚ ድማ፣ ኣብ መጓዓዝያ በጻሕቲ ዘግልግላ ዓበይቲ መራኽብ ወይ ክሩዝ ዝውንን ትካል ካርኒቫል ኮርፖረሽን፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ጉዕዞ ሰሪዝዎ ኣሎ።

እቲ ትካል ዝውንነን 12 መራኽብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሰርዖ መንገዲ፣ ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይርኦ ምዃነን ሓቢሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0