ብተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኣፍሪቃ ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ወኪል ኣመሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: Wednesday, 14 February 2024

ብተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሞሊ ፊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወከልቲ ጥዕናን ትካል ረዲኤትን ልምዓትን ኣመሪካን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ዝሓቕዕፈ ልኡኽ፣ ካብ 12 ክሳብ 17ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምስታፍ፣ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕትን ሰበ ስልጣንን ናይዛ ኣህጉር ክመያየጥዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ወኪል፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን፣ ጥዕና ከምኡ ድማ ልምዓት ንእትገብሮ ዘላ ጻዕርታት፣ ኣመሪካ ከምእትድግፎንን ከም እትተሓጋገዝን ንምርግጋጽ ምዃኑዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ርእሲዚ ኣብ ብከላ ኣከባቢ፣ ምውሓስ ጸዓትን ካልእን ዘተኮረ ኣርእስታትውን ክዝተየሉዩ።

ላዕለዎይ ወኪል ኣመሪካ፣ ጎኒ ጎኒቲ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይዶ ርክባት፣ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያውን ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ዘተኮረ ምይይጥ መዲቡ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0