ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 July 2020

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ብዝተጎሃሃሀር ሓድሽ ግጭት 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ኣስታት 500 ዕጡቓት፣ ኣብ ሓንቲ ጸለምቲ ደቀባት ዝነብሩላ ቁሸት ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዳርፉር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እኳ እንተጠቐሰ፣ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ጉዳት ብዝርዝር ኣየነጸረን።

እንተኾነ፣ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉን፣ ልዕሊ 60 ድማ ከምዝቖሰሉን ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ናብቲ ግጭት ዝተጎሃሃረሉ ከባቢ፣ ተወሳኺ ሰራዊት ክዋፈር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆ ዘለዎም ሚሊሻን ጸለምቲ ደቀባትን፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ ብዝተወልዐ ግጭት፣ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ይጥቀስ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺርን ሓያሎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን እታ ሃገር፣ ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዝኸሰሶም ይዝከር።

ሓደ ካብቶም ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ዝኽሰሱ፣ መራሒ ናይ ኣዕራብ ሚሊሻ ወይ ጃንጃዊድ ዝነበረ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ድሕሪ ውድቀስ ስርዓት በሺር፣ ምክትል መራሒ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0