ብሰንኪ ኮቪድ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ቅድድማት ብሽክለታ ዳግም ኣብ ዝጀምረሉ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዓወት ተጎናጺፉ

Radio Erena: 28 July 2020

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ንኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ቅድድማት ብሽክለታ ዳግም ኣብ ዝጀምረሉ ዘሎ እዋን፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዓወት ተጎናጺፉ።

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብቲ ቀዳም 25 ሓምለ፣ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ፣ 137 ኪሎ ሜትር ውድድር ዝሸፈነ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ’ዩ ደሚቑ።

ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኮንቲነንታል ቲም፡ ኒፖን ቴሌግራፍ ኤንድ ቴሌፎን ( NTT) ዝኾነ ናትናኤል፡ ካብ 30 ክለባት ዝተዋጽኡ 194 ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ክላሲካል ቸርኪቶ ሞንቲ ኮራሊ፡ እዩ ነዚ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ኢጣልያዊ ጂዮቫኒ ኣሌዮቲ ንመቐዳድምቱ ብ1 ደቒቕን 4 ካልኢታትን ብምፍላይ ቀዲሙ ኣትዩ።

ድሒራ 6 ተቐዳደምቲ ሒዛ ካብ ዝመጸት ጉጅለ ድማ፡ ኢጣልያዊ ሳሙኤል ሪቪ ቅድሚ ናትናኤል መዛዘሚ መስመር ረጊጹ።

ወዲ 21 ዓመት ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ተዓዋቲ ብጫን ጻዕዳን ማልያታት ዙር ርዋንዳ 2020’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ናትናኤል፣ ተዓዋቲ ጻዕዳ ማልያ፡ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ክኸውን ዝበቕዐ፣ ኣብ መጻኢ ልዑል ተስፋ ዘለዎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ እዩ።

ክቡራት ተኸታትልቲ፣ ሰፊሕ ትሕዝቶ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ፈነወና ተኸታተሉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0