ናይ ብሪጣንያ ታርጋ ኣብ ዘለዋ መኪና ተሓቢኡ፣ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክሰግር ዝፈተነ ኤርትራዊ ተታሒዙ

Radio Erena: 28 July 2020

ሓደ ኤርትራዊ ምስ ተወላዲ ጊኒ ብምዃን፣ ናይ ብሪጣንያ ታርጋ ናብ ዘለዋ መኪና፣ ኣብ መጽናዒ ኣቑሑ ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ድሕሪ ዘካየድዎ ፈተነ ብፖሊስ ተታሒዞም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ፣ እታ መኪና፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኖርማንዲ፣ ኣብ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዘዕረፈትሉ፣ ታርጋኣ ናይ ብሪጣንያ ምዃና ኣረጋጊጾም’ዮም ተሰቒሎማ።

ሒዛቶም ናብ ብሪጣንያ ክትምለስ’ያ ዝብል እምነት እኳ እንተነበሮም፣ ብሪጣንያውያን በጻሕቲ ሃገር ዝኾኑ መራሒ መኪናን ካልኣዩን፣ ደርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ሰሚዖም፣ ብኡ ንብኡ ናብ ፖሊስ’ዮም ደዊሎም።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ ክሃድሙ ፈቲኖም ግና ከምልጡ ኣይከኣሉን።

ፖሊስ፣ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ትሕቲ ዕድመ ናብ ዝእለይሉ ማእከል’ዩ ወሲዶውም።

እቲ ማእከል ክቕበሎም ፍቓደኛ ብዘይዃኑ ግና ፖሊስ’ውን ናጻ ፈንይዎም።

ወነንቲ መኪና ግና፣ እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ንኽሕብኡ፣ ኣብ መጽዓኒ ኣቑሑት ዝነበረ ንብረቶም ስለዝደርበይዎ፣ ብስርቂ ንብረት ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለዉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0