ሱዳን፣ ኣብ 11 ሚያዝያ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena:22 March 2023

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ወትሃደራውያን ጉጅለታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ዝሓቖፈ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ኣብ 11 ሚያዝያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኩሎም ኣብቲ ስምምዕ ዝተሓቖፉ ሓይልታት ሱዳን፣ ብ19 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት፣ ንምቛም እቲ መሰጋግሪ መንግስቲ እተሳልጥ ኮሚተ፣ ኣብ 27 መጋቢት ክትምስረት ወሲኖም።

ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ ናይ መዛዘሚ ስምምዕ ብምኽታም ኣብ 6 ሚያዝያ ድማ ንምቛም እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሕግዝ፣ ግዝያዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ።

ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ብዝተመደበሉ ግዜ በይዕንቅፋት እንተቐጺሉ ድማ፣ ኣብ 11 ሚያዝያ፣ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣፈኛ ‘ቲ ፖለቲካዊ መስርሕ፣ ካሊድ ዖመር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ፣ እቲ ዝቐውም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ሓፈሻዊ ምርጫ ብምውዳብ፣ ስልጣኑ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተመርጸ መንግስቲ ከሰጋገር’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0