ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ‘ህወሓት ሽበራዊ’ዩ’ ንዝብል ውሳኔ ኣልዒልዎ

Radio Erena: 22 March 2023

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሽበራዊ’ዩ ክብል፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሎሚ ረቡዕ 22 መጋቢት ኣልዒልዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ነቲ ኩነታት ንምቑጽጻር ንህወሓት ሽበራዊ ምዃኑ ዝገልጽ ውሳኔ ንኸሕልፍ፣ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ እዋመ ብዘይተቓውሞ ከምዘሕለፎ ይዝከር።

እቲ ኵናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣህልቂቑን ኣመዛቡሉን፣ ብዘተ ሰላም ንምፍትሑ፣ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ድማ’ዩ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዝቐረበሉ እማመ ብወግዒ ከምዘልዓሎ ዘፍልጥ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ዚ ውሳኔ፣ ኣብ 21 መጋቢት፣ ምስ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣኼባ ከምዘካየደ እኳ እንተተፈልጠ ዝርዝር ናይቲ ምይይጥ ከይተገልጸ’ዩ ጸኒሑ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘተ ንምፍታሕ ብቀዳምነት እትዋሳእ ዘላ ኣመሪካ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምልኣኽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ከምዝተረቝሐ ዝግለጽ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ብምርኻብ ተመያይጡ’ዩ።

ዝርዝር ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ንምቕልጣፍ ኣብ ዝሕግዙ ነጥብታት ምትኳሩ ግና ተፈሊጡ።

ሓደ ካብቲ ንትግባረ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ውሑስ ዝገብር ነጥቢ ድማ ምስራዝ ህወሓትን ሰበ ስልጣናቱን ካብ መዝገብ ሽበራን ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን ምዃኑ ይጠቐስ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ምስራዙ፣ ድሮ ቆይሙ ንዘሎ ንህዝቢ ግና ብወግዒ ዘይተሓበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0